ሆስፒታል ዓድዋ ኣስታት 70 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ናውቲታት ሕክምና ተረኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሆስፒታል ዓድዋ ካብ ኣባላት ዓለም ከኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ ዝተለኣኸ ኣስታት 70 ሚሊየን ብር ዝወደአ ናውቲ ሕክምና ከምዝተረከበ ተገሊፁ።
ኣካየዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ክንፈ ገብረእግዚኣብሄር፥ ብተወለድትን ፈተውትን ዓድዋ ዝተጣየሸ ማሕበር ዓለም ለኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ ናብ ንቡር ንክምለስ ሓገዝ ይገብሩ ከምዘለው ኣብሪሆም።
ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ተወካሊ ዓለም ከኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ መምህር ሃሰን ስዒድ፥ እቲ ማሕበር ኣብ ሆስፒታል ዓድዋ ንዝበፅሖ ዕንወት መፍትሒ ንምሃብ ብገንዘብን ናውቲ ሕክምናን በብእዋኑ ደገፍ ዝገብር ዘሎ ኢዩ ኢሎም።
ናይዚ መቐፀልታ ኣስታት 70 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሎም ዝተፈላለዮ ናውቲታት ሕክምና ብሓገዝ ከምዝሃበ ምዝራቦም ኣብ ርክብ ህዝቢ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።