ኣመራርሓ ዋና መምርሒ ጥዕና ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ኣዲስ ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ማእኸል ዑደት ኣሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓ ዋና መምርሒ ጥዕና ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ኣዲስ ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ማእኸል ዑደት ኣሳሊጦም።
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ዑደት፥ ሓላፊ እቲ መምርሒ ሌተናል ጄኔራል ጥጋቡ ይልማን ካልኦት በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓን ተሳቲፎም።
እቲ ማእኸል ኢትዮጵያ ዝበፅሓቶ ብርኪ ምዕባለ ብዝግባእ ዘርኣየን ውፅኢታውነት ልኡኽ ምሕላው ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘርእይን ከምዝኾነ ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ምዝራቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።