ካብ ክልል ጋምቤላ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣትዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ክልል ጋምቤላ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ኪሎ ግራም ዝተፃረየ ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ምእታው ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን፡፡
ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ መበል ሻውዓይ ስሩዕ ጉባኤ መበል ራብዓይ ስራሕ ዘመን ኣብ ክልል ጋምቤላ የካይድ ኣሎ፡፡
ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት ፍርቂ ዓመት 2017 ዓ.ም ዘቕረባ እተን ርእሰ ምምሕዳር÷ ኣብ ዓውዲ ፅዓት ወርቂ ንብሄራዊ ባንኪ 2 ሺሕን 747 ኪሎ ግራም ዝተፃረየ ወርቂ ምእታዊ ገሊፀን፡፡
እቲ ዝተረኸበ እቶት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 443 ሚሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ምሕባረን ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልፅ፡፡