ፃዕሪ ሽግሽግ ዕዳ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንትካላት ልምዓት መንግስት ገለፃ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሽግሽግ ዕዳ ንኽግበር እናወነገነቶም ዝርከቡ ተግባራት ብዝምልከት ሚኒስቴር ገንዘብ ንዋና ዋና ትካላት ልምዓት መንግስቲ ገለፃ ገይሩ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣንቲ እዋን፥ እተን ትካላት ምስ ኣጀንዳ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝተጠዓዓመ ኩነታት ኣብ ቀፃ ንዘውገኑ ድርድራት ንኽሰናደኣ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኮሚቴ ኣለቃሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ፃዕሪ ሽግሽግ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ፅቡቕ ከይዲ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡