ፊቼ ጫምባላላ ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ዝህልዎ ግደ ልዑል ኢዩ-መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፊቼ ጫምባላላ ከብሪ ዕርቀ ሰላም፣ ሰላም፣ ሕብረትን ሕውነትን ካብ ምጉልባቱ ብተወሳኺ ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ዝህልዎ ግደ ልዑል ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት፥ ንዘበን መለወጢ ፊቼ ጫምባላላ እንቋዕ ኣብፀሐኩም ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ።
ዘበን መለወጢ ፊቼ ጫምባላላ በዓል ማነነትን ባህሊን ህዝቢ ሲዳማ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ልምዓትን ምዕባለን ቱሪዝም እቲ ክልል ኣብ ምምዕባል ልዑል እወንታዊ ግደ ከምዝህልዎ ገሊፁ።
ኣብ ዩኔስኮ ካብ መንጎ ዝተመዝገቡ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ በዓል ሃፍቲን ቅርስን ሃገር ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
እቲ በዓል ሎሚ ዘበን ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ 18 መጋቢት ኣብ ኣዳራሽ ባህሊ ሲዳማ ከምኡውን 19 መጋቢት ኣብ ሶሬሳ ጉዱማሌ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ደሚቑ ከምዝኽበር ገሊፁ።
እቲ በዓል ብሕብረተሰብ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ አንትሰጋገር ዝመፅአ ባህላዊ ትውፊት ኢዩ ኢሉ።
ፊቼ ጫምባላላ ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ዝህልዎ ግደ ልዑል ኢዩ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ክብሪታት ሕብረት፣ ዕርቀ ሰላም፣ ሰላም፣ ሓድነትን ሕውነትን በሪኹ ዝረኣየሉ በዓል ከምዝኾነ ሓቢሩ።