ሃገራዊ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስፖርት ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ሃገራዊ ለውጢ ሻውዓይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ብዙሓት ክፋላት ማሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሴንተር ኮንቬንሽን ኣፍሪካ ኣካይዱ፡፡
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንቲራር ኣባይ÷ “ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕ ንልዕልና ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ኣካላዊ ብቕዓት ምንቅስቓስ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ዕውት ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ ምባሎም ኣብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
መንግስቲ ንስፖርት ዝሃቦ ጠመተ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት መስርሒ ቦታታት ምህናፆም ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ አበባ በላይ ደጀን እዮም፡፡