ህዝቢ ኢትዮጵያ ደጀን ዝገበረ ሰራዊት ኩሉ ግዘ ተዓዋታይ ኢዩ-መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኢትዮጵያ ደጀን ዝገበረ ሰራዊት ፌዴሪኢ ኩሉ ግዘ ተዓዋታይ ኢዩ ክብል መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተውሃቦ ልኡኽ ምኽባር ሕጊ በዝግባእ ዝተዋፅአ ከምዝኾነ ገሊፁ።
መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ከምዝበሎ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንፁሃን ሽፋን ገይሩ ብዝኸፈተሉ መጥቃዕቲ ብዙሕ መስዋእትነት ከምዝኸፈለ ኣዘኻኺሩ።
እዚ ድማ ንህዝቢ ብዘለዎ ውግንና ክብል ንሃገር ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኢዩ ኢሉ።
እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዝለመዶ ፕሮፖጋንዳ ሓሶት በዝተፈላለዩ መገዲታት ሽም ሰራዊት ፌዴሪኢ ንምጥፋእ እነተፈተነ እውን እቲ ሰራዊት ንሕጊን ንሞራልን ስለ ዝግዛእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ምትኳስ መስዋእትነት መሪፁ ኢዩ ኢሉ።
እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ጨዋነት እቲ ሰራዊትን ካብቲ ከባቢ ዝወፅአሉ መገዲን ዝፈልጦ ሓቂ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ደጀን ዝገበረ ሰራዊት ኩሉ ግዘ ተዓዋታይ ከምዝኸውን ምግላፁ ካብ መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።