ህይወት ልዕሊ 70 ሰባት ዝበልዐ ፍንጀራ ብ”ሸለልትነት” ዘጋጠመ ኢዩ-ኢራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ኢራን ህይወት ልዕሊ 70 ሰባት ንክጠፍእ ምኽኒያት ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ገዚፍ ወደብ ንግዲ እታ ሃገር ዝበፅሐ ፍንጀራ ብ”ሸለልትነት” ዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፁ።
እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ንረብሓ ባለስቲክ ሚሳኤል ኢራን ዝውዕል “ሶዲየም ፐርክሎሬት” ዝተብሃለ ነዳዲ ኣድላዪ ጥንቃቐ እንተይተገበረ ብዘይምትሓዙን ብምፍንጃሩን ከምዝኾነ “ኣምብሬ” ዝተብሃለ ትካል ድሕንነት ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ኢራን እስከንዳር ሞሜኒ፥ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣባስ ኣብ ዝርከብ ኣብ ዝርከብ ወደብ ንግዲ ሻሂድ ራጃኢ ዝበፅሐ ልዑል ፍንጀራን ባርዕ ሓዊን መበገሲ ምኽኒያቱ ሸለልትነትን ፕሮቶኮላት ድሕንነት ዘይምኽታልን ኢዩ ኢሎም።
ሚኒስቴር ምክልኻል ኢራን ብግድኡ፥ “ሶዲየም ፐርክሎሬት” ዝተብሃለ ነዳዲ ነቲ ወደብ ምፍንጃር ምኽኒያት ኢዩ ንዝብል ኣገላልፃ ኣይተቐበሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ወደብ ንግዲ ሻሂድ ራጃኢ ብሰንኪ ዘጋጠመ ፈንጀራ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 70 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ ካልኦት ልዕሊ 1 ሺሕ ዝኾኑ ድማ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ቢቢሲ ፀብፂቡ።