ህይወት 20 ኢትዮጵያውያን ብሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳም ምሸት 35 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምስ የመናውያን ካፒቴንን ሓጋዚ ካፒቴንን ዝሓዘት ጃልባ ካብ ጂቡቲ ተበጊሳ ኣብ ጥቓ ከተማ ባኒ ኣል-ሃካም ኣል-ሃጃጃህ ከምዝጠሓለት ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ የመን ኣፍሊጡ።
በቲ ሓደጋ ህይወት 9 ደቂ ኣንስትዮን 11 ደቆ ተባዕትዮን ብድምር ህይወት 20 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ 15 ኢትዮጵያውያንን ክልተ ሰራሕተኛታት በረራ የመንን ከምዝተረፉ እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ብዙሓት ፃዕሪታት ይገበሩ እምበር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ጥራሕ ልዕሊ 60 ሺሕ ስሩዕ ዘይኮኑ ስደተኛታ ናብ የመን ከምዝኣተዉ እቲ ትካል ገሊፁ።