ለውጢ ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ፍትሒ መሰረታዊ ዝበሃሉ ለውጥታት ተኻይዶም ኢዮም-ወ/ሮ ሃና ኣርዓያ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ለውጢ ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ፍትሒ መሰረታዊ ዝበሃሉ ለውጥታት ብምክያድ ብዙሓት ዓወታት ምምዝጋቦም ሚኒስትር ፍትሒ ወ/ሮ ሃና ኣርዓያ ስላሴ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዝተኻየዱ ተግባራት ዝጠመተ መብርሂ ሂበን።
ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ዝተገበረ ምምሕያሽ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ምጥንኻር ህንፀት ትካላት ዴሞክራሲን መሰረት ዘንበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።
ኣብ መብርሂአን፥ ሚኒስቴር ፍትሒ ሕገመንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ምኽባርን ንክኽበር ምግባርን፣ ምንጋስ ልዕልነት ሕጊ፣ ምኽባር ሕጊ ገበንን ምፍፃምን ከምኡውን ፍትሀ ብሄራዊ ረብሓ መንግስትን ህዝብን ምኽባር ብዝብል ዝተውሃበቩ ቀንዲ ቀንዲ ሓላፍነታት ይዋፃእ ኣሎ ኢለን።
ብመሰረት እዚ መመሓየሺ ሕግን ትካላት ከምዝተገበሩ ብምግላፅ፥ ንህዝቢ ፍልፍል ቅርታ ዝኾኑን መሰላት ዝግድቡን ሕግታት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ከምዝተሰርሑ ሓቢረን።
ዓፈንቲ ዝነበሩን መሰል ውልቀ ሰባት ዝግድቡን መሰላት ናይ ምምሕያሽን ምህዳር ዴሞክራሲ ንምስፋሕ ኣድለይቲ ዝኾኑን ሕግታት ብምልላይ ምምሕያሻት ከምዝተገበሩ ተዛሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ንኣብነት፥ ኣብ ሕጊ ፀረ ግብረ ራዕዲ መሰረታዊ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ፣ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ዘተሓዳድር ሕጊ፣ ሕጊ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምምሕያሽ ዕዉት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢረን።