Fana: At a Speed of Life!

ለውጢ ስዓቡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢትዮጵያን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ እዮም-ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ ምዃኖም ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ÷ ኣብቲ ዓውዲ መሓውራዊ ስግግር ንምምፃእ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስርሖም ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ምልማዕ ኩታ ገጠም ሜካናይዜሽን ሕርሻ ምስፋሕ ከምኡውን ኣብ ዝናብ ፅግዕተኛ ዝነበረ ሕርሻ ብምቕያር ሙሉእ ዓመት ናብ ማሕረስ ብምእታው ፍርያት ኣብ ምዕባይ ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ዝተመዝገበ ዓወት ዘላቒ ንምግባር ብምኽንያት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘይብዳህ ልምዓት ሕርሻ ንምትግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለስ መኮነን (ዶ/ር) ብግዲኦም÷ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ክረምቲ 12 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ይሕረስ ከምዝበረ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 20 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ምዕባይ ተኻኢሉ ኢሎም።

በዙይ ድማ ብብርኪ ሃገር ዝእከብ ፍርያት ካብ 293 ሚሊየን ኩንታል ናብ 608 ሚሊየን ኩንታል ክብ ክብል ምኽኣሉ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.