ሉሲታት ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ (ሉሲታት) ንዩጋንዳ መዘነኣ ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ብምስዓር ናብ ቀፃሊ ዙር ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ፡፡
ሉሲታት ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፀወተአን ኣብ ካምፓላ 2 ን 0 ተሳዒረን ከምዝነበራ ይዝከር፡፡
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተገበረ ናይ መልሲ ፀወታ፤ ኣረጋሽ ካልሳን እፀገነት ግርማን ብዘመዝገበአን ክልተ ሸቶታት ስሩዕ ሰዓት ፀወታ 2 ን 0 ክዛዘም ክኢሉ፡፡
ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ በፂሕኻ መልሲ ክልተ ማዕረ ምፍልላየን ስዒቡ ብዝተውሃበ መፍለዪ ፍፁም ቅላዕ፤ ሉሲታት ንዩጋንዳ 5 ን 4 ብምስዓር ናብ ዝቕፅል ዙር ሓሊፈን፡፡
ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ንርእሰን ካብታ ሃገራዊት ጋንታ ዘግለላ ነበር ተፃወትቲ ኮኸባት እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበራ ብርቱካን ገብረክርስቶስን ረሂማ ዘርጋውን ምፍናው ተገይሩለን፡፡
ብሚኪያስ ኣየለን እንዳልካቸው ወዳጄን