ሊቨርፑል መሪሕነታ እተጠናኽረሉ ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ኣንፊልድ ንዎልቭስ ዘተኣናገደት ሊቨርፐል 2 ን 1 ብምስዓር ነጥባ 60 ብምብፃሕ መሪሕነታ ኣጠናኺራ።
ሊቨርፑል ብሸቶታት ሉዊስ ዲያዝን ሞሃመድ ሳላህ 2 ን 0 እናመርሐት ዕረፍቲ ዝወፅአት እንትትከውን፤ ዎልቭስ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣጥቢቖም ብምጭዋት ነጥቢ ሒዛ ንምውፃእ ብርጡዕ ንሕንሕ ገይራ ነይራ።
ጥንኩር ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ፀወታ ድሕሪ ዕረፍቲ÷ ዎልቭስ ዘመዝገበታ ብሕታዊት ሸቶ ማቲያስ ኩንያ ኣመዝጊቡዋ።
ነቲ ሊግ ሊቨርፐል ብ60 ነጥቢ እንትትመርሕ ኣርሰናል ብ53 ነጥቢ እናሰዓበት ትርከብ።