Fana: At a Speed of Life!

ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዘሎ ክፍተት ብምምላእ ናብ ቅድሚት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ  ክፍተት ብምምላእ ናብ ቅድሚት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ብብዙሓት ኣካላት ዝተኣመነ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ስነ ስርዓት ርኽክብ ስልጣን ፕሬዚዳንትነት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያን ማዕዳ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዘማእኸሉ ሰፋሕቲ ዘተታት እናተኻየዱ ከምዝፀንሑ ኣብሪሆም፡፡

ዘበን ስልጣን ኣይተ ጌታቸው ብሕጉ መሰረት እንትዛዘም ዝተርፉ ወሰንቲ ስራሕቲ ዝውግን ኣካል፣ ግዚያዊ መንግስቲ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ድምዳመ ምስተትሓዘ፣ ነዚ ስግግር መን መሪሑ ኣብ ሸቶኡ ከብፅሖ ይኽእል? ዝብሉ ልዝባት እናገበሩ ከምዝነበሩ እውን ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፥ “ሎሚ ብሰላማዊ መገዲ ብሓዱሽ ባህሊ ስግግርነ ቅብብልን ስልጣን ንምክያድ ዝተሰናድአ ፕሮግራም ብዕሊ ኣካይድና” ኢሎም፡፡

ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናይ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኮይኖም እናገልገሉ ብምፅነሖም ዝነበሩ ድኽመታትን ጥንካረታትን ብግልፂ ከምዝግንዘቡ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡፡

በዚ ምኽንያት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ክፍተት ብምምላእ ንቕድሚት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ብብዙሓት ኣካላት ዝተኣመነ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ህዝቢ ትግራይ ዝጠልቦ ሰላምን ልምዓትን፣ ከም ካልኦት ኣሕዋቱ ወፂኡ ናይ ምእታው ድልየት ንምዕዋት፣ ንኢትዮጵያን ንኣፍሪካን ረብሓ ዝህብ ነገር ሰሪሖም ንምሕላፍ ታሪክ ዝሃቦም ዕድል ከምዝጥቀምሉ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.