ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማ ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት በቢዓመቱ 15 ቢሊየን ብር ተሰሊዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማ ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት በቢዓመቱ 15 ቢሊየን ብር ከምዝተመደበ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን፡፡
ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማታት ስግግር ተረባሕነትን መርሃ ግብሪ ምጅማርን ኣብ ከተማ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማታትን ፕሮጀክት ስራሕቲን ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ምዃኖም ገሊፀን፡፡
መንግስቲ ተግባራዊ ዝገበሮ ብመሰረት ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ከተማን ገጠርን ዜጋታት ብስራሕቲ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ንምድጋፍን ብዘላቒነት መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት በቢዓመቱ 60 ቢሊየን ዶላር ምምዳቡ ተሓቢሩ፡፡
ካብዚ እዉን በቢዓመቱ 15 ቢሊየን ብር ንሰፍቲኔት ከተማ ከምዝተመደበ ተገሊፁ፡፡
አብ በጀት ዓመት ኣብ ኩሎም ክልላትን ቕድሚ ሕዚ ብፕሮጀክት ተረባሕቲ ዝኾኑ ከተማታትን ዝርከቡ 143 ሺሕን 26 ስድራ ቤት ናብሮኦም ዘመሓይሽሉን 699 ሺሕን 112 ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ቐጥታ ድጋፍ ከምዝግበረሎምን ብልምዓት እቲ ከባቢ ናብቲ ፕሮጀክት ከምዝፅምበሩ ተገሊፁ፡፡
ብቤዛዊት ከበደ