ልኡኻት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓን መቐለ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኻት ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ጣልያን፣ ጀርመን፣ ዴንማርክ፣ ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ንጎሆ መቐለ ኣትዮም።
እቶም ልኡኻት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ተግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣቀባብላ ዝገበሩሎም እንትኾኑ፥ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፣ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ክዝትዮ ትፅቢት ይግበር።