Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ሶማሊያ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ሶማሊያ ዓሊ ኦማር ዝተመርሐ ልኡኽ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ዕላዊ ዑድት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ምሽት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኢዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ዝገብሮ ዑደት ብዋናነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኣንካራ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ልዝበ ከምዝገበር ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ መዘንኡ ኣብ ምትሕብባር፣ ሕድሕዳዊ ምክብባር ክልቲአን ሃገራት ከምኡ እውን ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ሓበራዊ ድሌታት ከምዝዛተ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.