Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 15 ሺሕ መፃሕፍቲ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን፣ ዋና ኦዲተር ፌዴራልን ኣልጀዚራ ኣብ ኢትዮጵያን ልዕሊ 15 ሺሕ መፃሕፍቲ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ሂቦም።

እቶም ትካላት ብህፃናትን ኣባፅሕን ዝንበቡ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶ ዘለዎም መፃሕፍቲ ኢዮም ኣበርኪቶም።

ዋና ኦዲተር ፌዴራል መሰረት ዳምጤ፥ ተመሳሰልቲ ተግባራት ብምክያድ ማሕበራዊ ሓላፍነት ምውፃእ ይግባእ ኢለን።

ነቲ ቤተ መፃሕፍቲ ካብ ዝተውሃቡ 15 ሺሕ መፃሕፍቲ እቶም 10 ሺሕ ዝኾኑ ብብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ዝተበርከቱ ኢዮም ተባሂሉ።

ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ድሕሪ ዓለም ለኸ መዓልቲ መፃሕፍቲ ለዕሊ 20 ሺሕ መፃሕፍቲ ከምዝተበርከተ ተሓቢሩ።

ብኣምደወርቅ ሽባባው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.