ልዕሊ 338 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ዘይሕጋዊ ፍርያታት ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልዕሊ 338 ሚሊየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኸዚኖም ምትሓዞም ተገሊፁ፡፡
እቶም ፍርያታት ዝተትሓዙ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ምስ ግልጋሎት ብሄራዊ መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽን ጉምሩክን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብሓባር ብምዃን ዝተሰርሐ ዝተዋደደ ስራሕ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዳማን ኣዲስ ኣበባን 23 ቦታታት ፍርያታት ምትሓዞም በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ፌዴራልን ኮሚሽን ጉምሩክን ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፡፡
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ስዩም ወልዱ፤ መድሓኒት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዕዳጋ እንትኣትው ፅርየቱ፣ ፋዋስነቱን ደሕንነቱን ብዘይምርግጋፁ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጥዕና፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉድኣት ከምዘስዕቡ ኣገንዚቦም፡፡
ብሰዓዳ ጌታቸው