ልዕሊ 443 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 443 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ካብ 4 ክሳብ 10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ክትትል፥ 422 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ኣታዊን 20 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ወፃኢን ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኢዩ ገሊፁ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዚ ናውቲታት፥ ኣልባሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ወርቂ፣ ቡን፣ ጥራምረ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ መዐወንቲ እፃት፣ መድሓኒታትን ገንዘባት ወፃኢ ዓዲን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።