Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 443 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 443 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ካብ 4 ክሳብ 10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ክትትል፥ 422 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ኣታዊን 20 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ወፃኢን ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኢዩ ገሊፁ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዚ ናውቲታት፥ ኣልባሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ወርቂ፣ ቡን፣ ጥራምረ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ መዐወንቲ እፃት፣ መድሓኒታትን ገንዘባት ወፃኢ ዓዲን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.