ልዕሊ 60 ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ተበርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኦርፋንስ ኢን ኒድ ዩ ኤስ ኤ ልዕሊ 60 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ።
እቲ ሓገዝ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣይተ ኣብዱልሓዲ ሙሓመድ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኡስታዝ ኣቡበከር ኣሕመድ ብምውካል ነቶም ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣረኪቦምዎ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፥ ንዝተበረ ሓገዝ አመስጊኖም፡፡
እቲ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና መሳርሒታት ማእኸላይ መጥባሕቲን ካልኦት ኣድለይቲ መሳርሒታትን ከምዝርከቡዎም ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተገሊፁ፡፡
ብኣተሓባባራይነት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዜዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኡስታዝ ኣቡበከር ኦርፋንስ ኢን ኒድ ዩ ኤስ ኤ (Orphans in Need usa) ካብ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝተረኸበ ሓገዝ ከምዝኾነ ካብ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡