ልዕሊ 658 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ናብ ዉሽጢ ሃገር ምእታዉ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንእታዎት ዘበነ ምህርቲ 2017/18 ዝኸዉን ልዕሊ 700 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብፅሑ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
ንምህርቲ እቲ ዘመን ዝኸዉን 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ድኩዒ ተገዚኡ ናብ ዉሽጢ ዓዲ ንምእታው ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ክሳብ 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም ልዕሊ 700 ሺሕን 763 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብፅሑ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ወደብ ጅቡቲ ካብ ሞንጎ ዝበፅሐ ዘበናዊ ዱኽዒ ልዕሊ 658 ሺሕን 249 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ተጉዓዒዙ ናብ ዉሽጢ ዓዲ ምእታዉ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘዉፅኦ ሓበሬታ ኣመላኺቱ፡፡
ናብ ዉሽጢ ዓዲ ካብ ሞንጎ ዝተጉዓዓዘ ድማ 418 ሺሕን 670 ሜትሪክ ቶን ዳፕ ከምኡዉን 239 ሺሕን 579 ሜትሪክ ቶን ዩሪያ ዝተብሃለ ዘመናዊ ዱኽዒ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡