ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መበል 30 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 3፡45 ምሸት ምስ ፉልሃም ክጋጠም ኢዩ።
ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት 58 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ እንትኸውን፥ ፉልሃም ድማ 45 ነጥቢ ብምሓዝ ሻምናይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
ዎልቭስን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ሰዓት 3፡45፣ ኖቲንግሀም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ሰዓት 4፡00 ክፃወቱ ኢዮም።