ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚቴ ንግዲ ዶብ ኢትዮ-ደቡብ ሱዳንን ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈላማይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚቴ ንግዲ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ እናካየደ ይርከብ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ውሃብረቢ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኦ፤ ዕላማ እቲ ኣኼባ እተን ሃገራት ዝከተመኦ ፕሮቶኮል ንግዲ ዶብ ኣፈፃፅማ ዘለዎ ብርኪ ንምግምጋም እዩ፡፡
ብተወሳኪ ኣብ ቀፃሊ እቲ ስምምዕነት ብምትግባር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዝክኣለሉ ጉዳይ ዙርያ ዘተ ንምክያድ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡