ሓንቲ በጊዕ ሓሙሽተ ሬማ ወሊዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ደብረ ወርቅ ሓንቲ በጊዕ 5 ሬማታት ከምዝወለደት ተገሊፁ።
ዝተወለዱ ሬማታት ክልተ ኣወዳት እንትኾኑ ሰለስተ አጓላት ኢየን፡፡
እታ በጊዕ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ሓደ እዋን ሰለስተን ኣርባዕተን ሬማታት ወሊዳ ከምዝነበረት በዓል ዋና እታ በጊዕ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ በጊዕን እቶም ሬማታትን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እናርጅ የመላኽት፡፡