Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ባሕሪ ዝተጀመሩ ዕዉታት ተግባራት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክፍሉ ብዝደልዮ መጠን ንምጥንኻርን ንሰራዊት ተወሳኺ ዓቕሚ ንምዃንን እናወገኖም ዝርከቡ ተግባራት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ህንፀት ዓቕሚን ህንፀት መሰረተ-ልምዓትን ወታደራዊ ድልዉነት እቲ ሰራዊት ንምዕባይ ንባዕሉ ኣብ ምጥንኻር ዕዉታት ተግባራት እናካየደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን እውን ፃዕሪ ኩሎም ኣባላትን ኣመራርሓን እቲ ክፍሊ ከምዝኾነ ምግላፁ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሬር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ከምዝበሉዎ፤ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ አእዋናት ብዙሓት ስራሕቲ ከምዘካየደ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እቲ ክፍሊ ንምጥንኻር ዝግበሩ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.