Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ናብ ዘበናዊ ብርኪ ትካል አቪዬሽን ዓብዩ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብጠንኻራ ትካላዊ ሪፎርም እናተሃፀ ዘሎ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዝተማልአ ዘበናዊ ብርኪ ትካል አቪዬሽን ምዕባዩ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም፡፡

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ÷ ኣብ ምክልኻል ብኣዛዝነትን ስታፍ ኮሌጅን ትምህርቶም እናተከታተሉ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓ ክፍለ ሰራዊት ዘትዮም፡፡

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብቲ እዋን፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣመራርሓ ጀሚሩ ክሳብ ታሕቲ ብርኪ ኣባልነት ንለውጢ ድልው ኮይኖም ብምስርሖም እቲ ትካል ናብ ዘበናዊ ብርኪ ትካል አቪዬሽን ምዕባዩ ገሊፆም፡፡

ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣፍሪካ ተመራፂ ትካል አቪዬሽን ንምግባር ካብ ዝሓዝናዮም ጅማሮታት ውሽጢ ሓደሓዲኦም ቀዲሞም ዕውት ይኾኑ ኣለው ምባሎም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ጠንኻራ መራሒ ወታደር ማለት ኣብ እዋን ሰላም ንሰራዊቱ ንውግእ ዘዳልውን ብንኡሽተይ ክሳራ ልዑል ዓወት ዘምፅእን ምዃኑ ገሊፆም ፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.