Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕልናን ልዑል ብቕዓትን ምክልኻል መርአዪ ኢዩ – ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕልናን ልዑል ብቕዓትን ምክልኻል መርአዪ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብኣካል ትዕዝብቲ ዝገበራ እንትኾና÷ ኣብቲ እዋን ዑደት ድማ እቲ ትካል ዘመዝገቦም ዓወታት ንኢደን።

“እቲ ሓይሊ ኣየር ብቕዓቱ ንምድንፋዕ ዕቤት ቴክኖሎጂን ሃገራዊ ግቡእን ኣብ ምውፃእ ረገድ እናርአዮ ዝርከብ ብቕዓት ብኣብነት ዝፅራሕ ኢዩ” ኢለን።

ብፍላይ ናይ ፅገና ወፃኢ ብርእሰ ዓቕሚ ንምሽፋን ዝወገኖም ተግባራት ሃፍቲ ሃገር ብልዑል ኩነታት ከድሕን ከምዝኸኣለ ኣመልኪቱ።

መሰረተ ልምዓታት እቲ ትካል ኣብ ምዝማንን ዓለም ለኻ ደረጃኡ ዝሓለወ ክኸውን ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ኣልዒለን።

ድልውነትን ስትራቴጂካዊያዊ ዕቤትን እቲ ትካል ብዝበለፀ ንምርግጋፅን ንምፅናዕን ሚኒስቴር ምክልኻል ሓገዙ ከምዘጠናኽር ቃል ኣቲዮም።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ ብግደኦም÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ መዳይ ሓይሊ ሰብ፣ ፅገናን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ዝበፅሖ ደረጃ ኣመልኪቶም ገለፃ ምግባሮም ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.