ሓዱሽ ማሕበረሰብ ኢንዱስትሪ ይፍጠር ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ማሕበረሰብ ኢንዱስትሪ እናጠፈጠረ ምዃኑ ዘመላኽት ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ፋብሪካ መፍረዪ ጥይት ሆሚቾ ዑደት ገይሮም፡፡
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ዑደት ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ሓዱሽ ማሕበረሰብ ኢንዱስትሪ ከምዝተጠረ ገሊፆም፡፡
ካብ ሞንጎ ዋና ዋና ኣንፈታት ሪፎርም ሰራዊት ምክልኻል ብዕጥቂ ርእስኻ ምኽኣል ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ዓቕሚ ከምዝተሃነፀ ኣረጋጊፆም፡፡
ፋብሪካ መፍረዪ ጥይት ሆሚቾ ዘበኑ ናብ ዝበፀሖ ስርዓት ዲጂታል ክኣቱ ብምግባር፤ ንከበድቲ፣ ቀለልቲን ማእኸለዎትን መሳርሒታት ዘገልግሉ ተተኮስቲ ምፍራይ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም፡፡
ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዝተፈጠረ ዓቕሚ ልዕሊ ጠለብ ቀረብ እታ ሃገር ከምዝኾነ ዝሓበሩ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፤ ናይ ወፃኢ ዕዳጋን ትውልዲን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተሃነፀ ገሊፆም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ