ሓድነት ክሽርሽሩ ዝኽእሉ ናይ ጎንፂ መበገሲታት ምፍታሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሐረ በጀት ዓመት ሚኒስቴር ሰላም ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ፡፡
ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ፤ ትካላዊ ሪፎርምንና ዓቕሚ ምፍፃምን ኣብ ምድንፋዕ፣ ዘላቒ ሰላም ምህናፅ፣ ናይ ሓባር ያታ ኣብ ምስራፅ፣ ጎንፂ ኣቐዲምካ ኣብ ምልኣኽን ምፍታሕን፣ ስርዓት ፌዴራልን ርክብ መንግስታትን ኣብ ምጥንኻር ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣብሪሆም፡፡
ሓላፈ ዘፈር ውዳበ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ፍቃዱ ተሰማ ብግደኦም፤ ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ምጥንኻር ንብዙሓት ፀገማት መፍትሒ ከምዝኸውን ኣገንዚቦም፡፡
ህንፀፅ ብሄረ መንግስቲ ዘይምዝዛሙ፤ ዝዓበየ ፀገም ሃገርና ኢዩ” ምባሎም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡