ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ ኣባልነት ትካል ጥዕና ዓለም ከምእትወፅእ ኣረጋጊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፈረንጂ ካብ ኣባልነት ትካል ጥዕና ዓለም ከምእትወፅእ ኣረጋጊፁ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንትካል ጥዕና ዓለም ዝግበር ደገፍ ገንዘብ ንክቋረፅ ትእዛዝ ምትሕልላፎም ይዝከር።
ምክትል ኣቐባሊ ቃል ሕቡራት መንግስታት ፋርሃን ሃቅ እቲ ትካል ካብ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ደብዳበ ከምዝበፅሖ ብምግላፅ፥ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ 2026 ዓ.ም.ፈ ከምእትወፅእ ዕላዊ ገይሮም።
ትካል ጥዕና ዓለም ብገንዘብ ብምድጋፍ ፈላመይቲ ዝኾነት ኣሜሪካ ኣብ 2024/25 ዓ.ም.ፈ 261 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ምግባራ ይዝከር።
እዚ ድማ እቲ ትካል ካብ ዝረኽቦ ደገፍ ገንዘብ 18 ሚኢታዊ ዝሽፍን ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።