Fana: At a Speed of Life!

ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ከይዲ ህንፀት ሰላም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ህንፀት ሰላምን ጎንፂታት ምክልኻልን ከምዝድግፍ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ምስ ልኡኽ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ፤ ጎንፂታት ንምክልኻልን ሃገራዊ ህንፀት ሰላም ንምዕባይ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ከምዝዘተዩ ሓበሬታ ሚኒስቴር ሰላም ኣመልኪቱ፡፡

ብሰንኪ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስ ትካላትን ዝተፈላለዩ ሴክተራትን ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዘለዎም እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ራሚስ ኣልካብሮቭ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ ንምክልኻልን ዘላቒ ሰላምን ንምህናፅ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንኢዶም፡፡

እናተወገኑ ዝርከቡ ጎንፂ ናይ ምክልኻን ስራሕቲ ህንፀት ሰላምን ከምዝድግፉ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.