ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 3 ሚሊየን ዩሮ ደገፍ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 3 ሚሊየን ዩሮ ደገፍ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ደገፍ ኣወሃህባ ግልጋሎት ስርዓት ሕጊ ንምጥንኻርን ተበፃሕነቱ ንምስፋሕን ዝውዕል እዩ ተባሂሉ፡፡
በቲ ዝተገበረ ደገፍ ትካላት ሰቪል ማሕበራትን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ደገፍ ሕጊ ዝህባ ማእኸላትን ዘካይድኦ ስራሕ ዘጠናኽር ምዃኑ ኣብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡