Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ሰላም ንምዕሳል ዝገብሮ ፃዕሪ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ክትድግፎ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ አምባሳደር ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ሞሓመድ ሳሌም ኣል ረሺድ ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ዘሎ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ተመያይጦም፡፡
ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ቁልፊ ዓውድታት ዘለዋ ተሳትፎ ንምዕባይ ኣብ ዝኽእላሎም ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም፡፡
ኣብቲ እዋን ዓሊ ዩሱፍ ÷ ብተለዓዓሊነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየዱ ልእኽቶ ሰላምን ምርግጋዕን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ክትድግፍ ሓቲቶም፡፡
ኣምባሳደር ሞሓመድ ሳሌም ኣል ረሺድ ብግዲኦም÷ ሃገሮም ምስ ሕብረት ኣፍሪካ እተካይዶ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምርግጋፆም ኣብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.