Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ተሳማዕነት እታ ኣህጉር ንምዕባይ ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ከጠናኽር ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ተሳማዕነት እታ ኣህጉር ንምዕባይ ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ከጠናኽር ኣለዎ ክብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፀም፡፡

ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብቑዓት ፍልፍል ፋይናንስ ዘይምዃነን ሉኣላዊነት እቲ ሕብረት ንኽጠሓስ ምኽንያት እናኾነ ምምፅኡ እቶም ምሁራን ኣመልኪቶም፡፡

እዚ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣጀንዳታት ሓንፂፁን ኣዋዲዱን ይዛተየሎም እምበር ናብ ባይታ ከይወርዱ ከምዝገበረ በዓል ሞያ ሕጊን ተማራማሪን ማሩ ኣብዲ ተዛሪቦም፡፡

“እዚ ንምፍታሕ ቀዳማይ ኣማራፂ፤ ነቲ ሕብረት ዘጠናኽር ብርእሰ ዓቕሚ ዝንቀሳቐስ ኣህጉራዊ ትካል ምፍጣር የድሊ” ክብሉ መምህር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ከምኡ እውን ተመራማሪ በፍቃዱ ዳባ ኣገንዚቦም፡፡

ኣህጉር ኣፍሪካ ዘለዋ ሓይሊ ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ንምጥቃም ምቹው ናይ ኢንቨስትመንት ሃዋህው ክፍጠር ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም፡፡

ብኣሸናፊ ሽብሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.