መልእኽቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
መልእኽቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
‹‹ቀዳማይ ሚኒስትር ቬይትናም ክቡር ፋም ሚን ቺን ኣብ ቤተ መንግስቶም ንክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ድሕሪ እቲ ስነ ስርዓቱ ክልቲኦም መራሕቲን ጉጅለ ልኡኾምን ክልተኣዊ ዘተ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ብክልቲአን ሃገራት ዝተኻየዱ መመሓየሺታት ከምኡ እውን ንምትብሕብባር ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ብፍላ ልውውጥ ልምዲን ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም።
እቶም መራሕቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ክታም ሰነዳት ምትሕብባር ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ንግዲን ትምህርቲን ንምትሕብባር ሰነዳት ስምምዕ ተፈሪሞም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ሃኖይን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀጥታ በረራ ንምግባር ዘመተዓዕም ስምምዕነት ሲቪል ኣቪዬሽን ተገይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቬትናም ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ካብ ዝምስረት ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት መራሒ መንግስቲ ዝገበሩዎ ፈላማይ ዕላዊ ዑደት ኢዩ።››