Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ዕቋር ባንኪታት ከምዘዕበየ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢን ዓቕሚ ዕቋርን ባንኪታት ከምዘዕበየ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ ገሊፆም፡፡

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዕዉት ሃገራዊ ለውጢ ፖሊሲ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣቤ÷ ዕዳጋ ዝመርሖ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ብምኽታል ኣብ ሞንጎ ስሩዕን ተነፃፃሪ ዕዳጋን ዝነበረ ሰፊሕ ኣፈላላይ ከፅብብ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ባንኪታት ልዑል መጠን ዘለዎ ሸርፊ ወፃኢ እናእተቀዉ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ “እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሸርፊ ወፃኢ ብምቕራብ ሃገራዊ ዕቤት ኢኮኖሚ እናቀላጠፈ ይርከብ” ኢሎም።

ቅድሚ እቲ መመሓየሺ ዝነበረ ስርዓት ፋይናንስ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ብምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዘየበረታትዕ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መመሓየሺ ምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚ ስለዘምፀአ፤ ትግበራ እቲ ፖሊሲ ትኽክልኛ ምዃኑ ዘርአየ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.