Fana: At a Speed of Life!

መምህራን ስብራት ትምህርቲ ንምፅጋን ልዑል እጃም የብርክቱ ኣለው – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ትምህር ስብራት ምፅጋን እናተገበረ ኣብ ዘሎ ከይዲ መምህራን ንወለዶ ልዑል እጃም የበርኽቱ ከምዘለው ሚኒስትር ትምህርት ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ጂንካ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ትምህርት ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ስራሕ ትምህርቲ ንቀፃሊ ጉዳይ ሃገር እዩ ኢሎም፡፡
ከምኡ እውን ኩሉ ዜጋ ትምህርቲን ፖለቲካን ብምፍላይ ስብራት ትምህርቲ ክፅግን ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ስብራት ትምህርቲ ንምፅጋን እጃሞም ንዝተዋፅኡ 69 ዝኾኑ መምህራን፣ ርእሰ መምህራንን ኣመራርሓታትን ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማትን ተርኪቱሎም፡፡
ብመለሰ ታደለ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.