መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘላቒ ሰላምን ህንፀት ሃገርን ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሰላም ኣተሓሳሲቡ፡፡
“ግደ ሚዲያ ኣብ ህንፀት ሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሰላምን በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ሰብ ሞያ ሚዲያን መዳርግቲ ኣካላትን ዘተ የካይድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ስራሕቲ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ህንፀት ሃገርን ተሳትፎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ከምዝሓትት ኣብሪሆም፡፡
ብፍላይ ከም ሃገር ንህንፀት ሰላም ዝግበር ስራሕ ኣብ ምሕጋዝ ሚዲያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
መንግስቲ ናፅነት ሚዲያ ንምርግጋፅ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝድነቕ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን መራኸብቲ ሓፋሽ ምስ ናፅነት ተተሓሒዙ ሕቶ ከምዘይብሎም ኣልዒሎም።
ብምዃኑ እውን ዝተውሃበ ናፅነት ብግቡእ ብምጥቃም ኣብ ህንፀት ሃገርን ዘላቒ ሰላምን ግደኦም ንኽዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።
ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም።
ጋዜጠኝነት ሰላም ሰፊሕ ፅንሰ ሓሳብ ዘለዎን ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅን ብፅሒቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ድማ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር) ኢዮም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ጎንፂ ምፅብፃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ጎንፂ ክተርፍ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሽፋን ብመሃብ ንህንፀት ሰላም ግደኦም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ብታሪኩ ለገሰ፣ ምንይችል ኣዘዘውን ትእግስት ኣብርሃምን