መርሃ-ግብሪ ትሩፋት ሌማት ንዜጋታት ካብ ሸማታይነት ናብ ኣፍራይነት እናሰጋገረ እዩ – ግርማ አመንቴ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ-ግብሪ ትሩፋት ሌማት ንዜጋታት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንክረኽቡ ካብ ሸማታይነት ናብ ኣፍራይነት ንክሰጋገሩ እናገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ሚኒስትር÷መርሃ-ግብሪ ትሩፋት ሌማት ካብ ከተማ ክሳብ ገፀር ዝነብሩ ብዙሓት ዜጋታት ውሕስና ምግቢ ንክረጋገፁ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡
ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ልዑል ውፅኢት ዝተረኸበሉ ትልሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ክልተ ዓመታት ምዕዋት ዝተኽኣለሉ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
መርሃ-ግብሪ ትሩፋት ሌማት ንዜጋታት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንክረኽቡን ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ከረጋግፁን ከምኡ እውን ካብ ሸማታይነት ናብ ኣፍራይነት ንክሰጋገሩ ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም፡፡