Fana: At a Speed of Life!

መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ 2017 (ኤፍ ኤም ) “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊብዝብል መሪሕ ቃል ዝተጀመረ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት  ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ናይ እንቋዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ምሕላፎም ስዒቡ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም።  

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጉዕዞ ዓወታት ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዳህሲሶም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ፓርቲ ከካይዶም ናይ ዝሓሰቦም ጉዳያት ኣብሪሆም።

ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ እንግዶት ዝተገበረሎም ተወከልቲ ኣሓት ፓርትታት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉ ኣብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.