መበል 1 ሺሕን 446 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብድምቀት ብምኽባር ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 1 ሺሕን 446 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብድምቀት ብምኽባር ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ፌደራል እቲ በዓል ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ኣቦታት ሃይማኖትን ምስጋና ኣቅሪቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ንኣሰናዳእቲ ኮሚቴታት እቲ ባዓልን መናእሰይን ከምኡ እውን ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሮም ዝውሃቦም ግቡእ ብዝግባእ ንዝተዋፅኡ ሓይሊታት ፀፅታ ምስጋና ቀሪቡ፡፡