መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ኢዩ ክብል ሰራዊት ምክልኻል ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ዋና ዳይሬክቶሬት ሀንፀት ስነ ልቦና ሰራዊት ምክልኻል ሜ/ጀነራል እንዳልካቸው ወ/ኪዳን ነቲ ኣከባብራ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ዓወት ዓድዋ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም።
እቲ ዓወት ናይ መልላእ ኣፍሪካዊያን ኢዩ ብምባል፥ ሎሚ ዘበን ዝኽበር መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ተዛሪቦም።
ብሰለሞን በየነ