Fana: At a Speed of Life!

መበል 42 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 42 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደደጋ ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡ እቲ ኣዋጅ በቲ ትካል ዝተጀመረ ስርዓት ሪፎርም ናብ ተግባር ብምልዋጥ ኣብ ኢትዮጵያ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ባህሊ ህዝቢ ናይ ምድንፋዕን ተረዳኣይነት ብዘላቕነት ብዓቕሚ ሃገር ንምውፃእ ማእኸል ዝገበረ ግዳያት ስግኣት ሓደጋ ንዝኾኑ ዜጋታት ካብ መርህታት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፕሮግራማት ዘላቒ ልምዓትን ምስ ምዕሳል ሰላም ብምትእስሳር ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ሞራላዊን ጉድኣት ንምንካይ ዘኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. ካብዚ ብምቕፃ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ሰለስተ ረቀቕቲ ደምቢታት መጣየሺ ትካላት ኢዩ፡፡ መጣየሺ ደምቢ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዕላማኡ ንምዕዋት መስተኻኸሊታት ኣወዳድባን ለውጢታት ኣሰራርሓን ንምግባር፤ ግሩፕ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ምክልኻልን መጣየሺ ደምቢ ማእኸል ዲያግኖስቲክ ምክልኻን እቲ ትካል ላዕለ ሕክምና እታ ሃገር፣ ጠለብ ኣገልግሎታት ዲያግኖስቲክስን ተዛመድቲን ንምምላእ፤ ከምኡ እውን ዝሐሸ ሕክምና ንምእላሽ ናብ ወፃኢ ሃገር ዝኸዱ ተሓከምቲ ብርኪ ሃገር ኣገልግሎት ንኽረኽቡ መጣየሺ ደምቢ ግሩፕ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ተግባርን ሓላፍነትን እቲ ትካል ብምድንጋግ ንዕቤት ሃገር ግድኡ ንኽዋፃእ ንምግባር ማዕቐፍ ሕጊ ኮይኑ ንኸገልግል ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ረቀቕቲ ደምቢታት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅኡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.