መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት አፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
ዲስ አኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት አፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
እቲ ኣኼባ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንፍሪካውያንን ዘርኣ-ኣፍሪካውያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረትን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)÷ንኢትዮጵያ ኣብቲ ኣኼባ ብምውካል ይተሳተፉ ኣለዉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ከምዘሕፍልን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መበል 49 ቀዋሚ ተወከልቲ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተዛተዩሎም ኣጀንዳታትን ምኽክር ከምዝገብር ትፅቢት ይግበር።