Fana: At a Speed of Life!

መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል ኣብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ምዕራፍ ምስታፍ ንምንታይ ኣድለየ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1265/2014 ብዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን መሰረት ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብህዝባዊ ዘተተታትን ካልኦት ግቡእነት ዘለዎም መገዲታትን ኣጀንዳታት ዘተ እናኣከበ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

እቲ ኮሚሽን እዚ ቁልፊ ምዕራፍ ዘተ እንትትግር ኣብ ክልላት፣ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነ ልቢ ክበሃል ይግባእ፡፡

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ጉዕዞኡ ኣብ ክልላት ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላትን ዘሳተፈ ምዕራፍ ዘተ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዝተግበረ እንትኸውን÷ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል እውን ኣብቲ ከይዲ ዝሳተፉሉ መድረኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንምስንዳእ እናተዳለወ ይርከብ፡፡

ንምዃኑ ብብርኪ ፌዴራል ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ኣብዚ ከይዲ ምስታፍ ንምንታይ ኣድለየገ? ቀፂሎም ዘለዉ ሓሳባት ነዚ ሕቶ ዘብርሁ ኢዮም፡፡

  1. ሃገር ለኸ መመሓየሺ ፖሊሲታት ንምግባር

ኣብ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ከይዲ ዝሳተፉ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል ከም ሃገር መመሓየሺ ክግበረሎም ዝግበኦም ጉዳያት ፖሊሲ ብምፍላይ ብኣጀንዳ ናይ ምልዓል ዕድል ኣለዎም፡፡ እዞም ኣካላት ብውዳበ ቁመነኦም ብብርኪ ፖለሲ ክግለፁ ዝኽእሉ ጉዳያት ዝሰርሑ ብምዃኖም ኣብዚ ከይዲ ምስታፎም ጠቓሚ ከምዝኾነ ይእመን፡፡

  1. ኣብ ሞንጎ ክልተን ልዕሊኡን ክልላት ዘለዉ ጉዳያት ንምትእንጋድ

መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል ብዝተውሃቦም ምምሕዳደራዊ ውዳበ መሰረት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ክልላት ዝለዓሉ ሓበራዊ ጉዳያት ዘተኣናግዱ ኢዮም፡፡ እቲ ከይዲ ኣብ ሞንጎ ክልተን ልዕሊኡን ዝኾና ክልላት ዝለዓሉ ናይ ዶብ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ተረባሕነት ኢኮኖሚ፣ ጉዳያት ፀፅታ፣ ወዘተ ብዝምልከት ብመዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል ብኣጀንዳነት ክቐርቡ ዝኽእሉሉ ኩነታት ንምምችቻው ይሕግዝ፡፡

  1. ኣካታታይነት ንምዕሳል

ኣብ ፌዴራል ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ከይዲ ብንቕሓት ምስታፎም እቲ ኮሚሽን ብኹሉ ደረጃ ዝርከብ ውዳበ ምምሕዳር ምክታቱ ዘርኢ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.