መድሕን ፈንድ ተቐማጢ ገንዘብ 5 ነጥቢ 89 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 5 ነጥቢ 89 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ መድሕን ፈንድ ተቐማጢ ገንዘበ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ደሳለኝ ኣምባው (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ እቲ ትካል ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዓውዲ ፋይናንስ ጥዕንኡ ንምርግጋፅን ድሕንነት ዓቖርቲ ንምሕላውን ውፅኢታዊ ስራሕ እናወገነ ምፅንሑ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 5 ነጥቢ 89 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝኣከበ ብምግላፅ፥ ካብ ሞንጎ እዚ 88 ነጥቢ 29 ሚኢታዊ ዝኸውን ካብ ኣረቦን ከምኡ እውን 11 ነጥቢ 71 ሚኢታዊ ካብ ኢንቨስትመንት ዝተኣከበ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ካብ ባንኪታትን ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ዝተኣከበ ክፍሊት ኣረቦን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 11 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ሓቢሮም።
እቲ ትካል ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብን ዓቕሙ ንምድንፋዕን ዝኣከቦ ኣረቦን ተመለስቲ ዝተገበሩ ኢንቨስትመታትን መሊስካ ኢንቨስት ከምዝግበር ገሊፆም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክዙን ኢንቨስትመንት 12 ነጥቢ 11 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ቴክኖሎጂታት ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ምህናፅ፣ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ናይ ምምላእን ካልኦት ስራሕቲን ከምዝተሰርሑ ኣብ መግለፂም ኣልዒሎም፡፡
ብታምራት ደለሊ