መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መገደኛታት ውሽጢ ሃገር ብተርሚናል ዓለም ለኸ መተኣናገዲ መገደኛታት ኣቢሎም ንኽተኣናገዱ ኣተሓሳሲቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መገደኛታት ውሽጢ ሃገር ብተርሚናል ዓለም ለኸ መተኣናገዲ መገደኛታት ኣቢሎም ንኽተኣናገዱ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ መገዲ ኣየር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ሎሚ ቀትሪ ሰዓት 6:30 ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ መተኣናገዲ በረራ ውሽጢ ሃገር ህንፃ ሒዝካ ምእታው ካብ ዝኽልከሉ ቁሳት ሓደ ካብ መገደኛታት ዝእከብ መወልዒ ሽጋራ (ላይተር) ግዚያዊ መቐመጢ ቦታ ትኪ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።
በዚ ምኽንያት ንድሕንነት መገደኛታት እንትበሃል እቲ ህንፃ ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘቋረፀ ኣመልኪቱ፡፡
ብምዃኑ ድማ ሎሚ መዓልቲ ናብ ውሽጢ ሃገር መብፅሒ ዝጓዓዙ መገደኛታት ብተርሚናል ዓለም ለኸ መተኣናገዲ መገደኛታት ኣቢሎ ናብ በረራኦም ንኽሳፈሩ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ካብ ፅባሕ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተለመደ ተርሚናል ውሽጢ ሃገር ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝቕፅል እውን እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ንዝተፈጠረ ምትእጉጓል ንመገደኛታት ይቕሬታ ሓቲቱ፡፡