Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ኤር ባስ ስምምዕነት ኣገልግሎት ፅገና ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ኤር ባስ ናይ ሸውዓተ ዓመት ስምምዕነት ኣገልግሎት ፅገናን ተተሓሓዝቲ ፅገናታትን ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ኩባንያ 24 ንዝኾና A350 ከምኡ እውን A350-900ን A350-1000 ሞዴል ኤር ባስ አውሮፕላናት ኣገልግሎታት ፅገና ከምዝህብ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ስምምዕነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ንንምርኻብ ዝገብሮ ፃዕሪ ልዑል ሓገዝ ከምዝገብረሉ ተገሊፁ።

ኣብ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዋና ሓላፊ ዘፈር ኦፕሬሽን ኣይተ ረታ መላኩ፤ እቲ ስምምዕነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦ ኣገልግሎት ንኸደንፍዕነ ምድንጓይ ኣገልግሎት ፅገና ብምትራፍ ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ሞንጎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኩባኒያ ኤር ባስን ዘሎ ፅቡቕ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ስምምዕነት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.