Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣገልግሎት ካርጎ ኣፍሪካ” ብምባል ኣፍልጦ ተጎናፂፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ካርጎን ሎጂስቲክስን ኣብ ኬኒያ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሽልማት ልህቀት ኣገልግሎት ፅዕነት ኣየር 2025 “ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣገልግሎት ካርጎ ኣፍሪካ” ብምባል ኣፍልጦ ተጎናፂፉ።

ካብዚ ብተወሳኺ “ብሉፅ ኤርፖርትኣገልግሎት ካርጎ ኣፍሪካ”ን “ቅልጡፍ ዕቤት እናመዝገበ ዝርከብ ናይዚ ዓመት ኣገልግሎት ካርጎ መገዲ ኣየርን” ተባሂሉ ኣፍልጦን ሽልማትን ምርካቡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣፍሊጡ፡፡

እዞም ሽልማታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ካርጎን ሎጂስቲክስን እናሃቦ ንዝርከብ ኩለመዳይ ዓለም ለኸ ኣገልግሎታት ዘተኣማምንን ቅልጡፍን መረጋገፂታት ኢዮም ኢሉ እቲ ትካል፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.